ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ዝርከብ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 24/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ዝርከብ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ተዓዚቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ዝርከብ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ተዓዚበ ኢሎም።



እዚ ፋብሪካ ኣብ 2025 ብኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ (Invest in Ethiopia Forum) ኣቢሉ ዝተፈረመ ስምምዕ መበገሲ ብምግባር ብ100 ሚልዮን ዶላር ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብውፅኢታዊ ደገፍን ክትትልን ኣብ 6 ኣዋርሕ ጥራሕ ጋህዲ ዝኾነ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ብዘበናዊ ማሽናትን ቴክኖሎጂን ዝተዋቐረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መፍረዪ ኣብ ልዕሊ 38 ካሬ ሜትር ከምዝዓረፈን ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥርን እውን ኣረዲኦም።



ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዓመታዊ 2 ጊጋ ዋት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ድሌት ሓይሊ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ብተሓዳሲ ሓይሊ ንምምላእ ንዝተጀመረ ሃገራዊ ራኢ ጋህዲ ንምግባር ተወሳኺ ዓቕሚ ፈጢሩ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ዝርከብ መፍረዪ ጫማን ንእሽተይ ጣብያ ኤሌክትሪክን ተዓዚበ ክብሉ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም