ፓርክ ኣራዳ ኣዲስ ኣበባ ንምቕያር ዘለና ራኢ ብተግባር ዘርኣናሉ ሓደ ስራሕና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶር) - ኢዜአ ትግርኛ
ፓርክ ኣራዳ ኣዲስ ኣበባ ንምቕያር ዘለና ራኢ ብተግባር ዘርኣናሉ ሓደ ስራሕና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶር)
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2018(ኢዜኣ) ፓርክ ኣራዳ ኣዲስ ኣበባ ንምቕያር ዘለና ራኢ ብተግባር ዘርኣናሉ እቲ ሓደ ስራሕና እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ፓርክ ኣራዳ መሪቖም ኣገልግሎት ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቅድሚ ሕዚ ተረሲዑን ንሓደጋ ተቓሊዑን ዝነበረ ከባቢ ኣራዳ ሎሚ ተሃኒፁ ዘደንቕ ኣካል ከተማ ምዃን ክኢሉ እዩ ኢሎም።
ፓርክ ኣራዳ ኣዲስ ኣበባ ንምቕያር ዘለና ራኢ ብተግባር ዘርኣናሉ እቲ ሓደ ስራሕና እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ንዓና ብመንፈስ እትሰኣል ሕልሚ ጥራሕ ዘይኮነትስ ብተግባር እትህነፅ ሓቂ እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ጥዕና ዘለዎ፣ ፅኑዕ፣ ንመፃኢ ወለዶ ተስፋ ምስ ጭቡጥ ሃፍቲ እትህብ፣ ኣብ ኣፍሪካ መራሒት፣ ኣብ መድረኽ ዓለም ድማ ተወዳዳሪት ዝኾነት ሃገር እናሃነፅና ኢና ንርከብ ኢሎም።
በቢ መዓልቱ እውን እዚ ተስፋ ናብ ሓቂ ናይ ምልዋጥ ስራሕና ክንቕፅለሉ ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም።