ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ መሪሑ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብኡ ዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ መሪሑ።
ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ኢትዮጵያ ምስ ሴራሊዮን፣ኣንጎላ፣ባንግላዲሽን ኢስዋቲኒን ዝገበረቶ ስምምዕ ኣገልግሎት ኣየር፣ኢትዮጵያን ሩሲያን ማእኸል ምርምር ባዮሎጂ ንምጥያሽ ዝተፈራረምኦ ስምምዕ፣ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቬትናምን ቪዛ ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት ንምትራፍ ዝተፈረመ ስምምዕ ንምፅዳቕ ዝቐረቡ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወፃእን ጉዳያት ሰላምን መሪሑ።



ኣብቲ ቤት ምኽሪ ረዳት ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር)፤ እቶም ዝተፈረሙ ስምምዓት ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግሩ እዮም ኢሎም።



እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ዘፅደቐ እንትኸውን፤ እቶም ተሸወምቲ ብምድላው ትምህርቲ ከምኡ እውን ብዘኻዕበትዎ ክእለት ልኡኽቶ እቲ ትካል ምዕዋት ከምዝኽእሉ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር) ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም