ዩኒቨርሲቲ ጎንደር እንቋቁሖ ደርሆ ንክልተ ዓመት ከይተበላሸወ ከፅንሕ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ኣላልዩ

ጎንደር/ሚያዝያ/ 22/2018 (ኢዜኣ)፡- ዩኒቨርሲቲ ጎንደር እንቋቁሖ ደርሆ ንክልተ ዓመት ከይተበላሸወ ከፅንሕ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ናብ ተግባር ንምእታው ንኣርባሕቲ ደርሆ፣ ሓረስቶትን ውልቀሰባትን ተግባር ተኮር ስልጠና እናሃበ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር መምህርን ተመራማርን ኮሌጅ ሕክምና እንስሳት ዶክተር ማስተዋል ብርሃን ንኢዜአ ከም ዝገለፅዎ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምእጓል ፍርያት እንቋቁሖ ንምትራፍ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ፡፡
በዚ ድማ እንቋቁሖ ንክልተ ዓመት ከይኣጎለ ከፅንሕ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ናይ ምልማድን ምፍላጥን ስራሕቲ እናተሳለጠ ከም ዝኾነ ገሊፆም፡፡ 



እቲ ቴክኖሎጂ ናብ ውሽጢ ሓደ ሊትሮ ማይ 30 ግራም ሓመድ ኖራ ወይ ድማ ላይም ስቶን ወሲኽካ ብምውህሃድ ክሳብ 12 እንቋቁሖ ከይተበላሸወ ክፀንሕ ዝገብር ኮይኑ ንሓረስቶት ተመራፂ ከም ዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡
ብፍላይ ኣብ እዋን ፆም ፍርያት እንቋቁሖ ትሕዝቶኡ ብዝሓለወ መልክዑ ብምፅናሕ ኣብ እዋን ስዕረት ንምጥቃም ዘኽእል ብምዃኑ ንሃገርና ተመራፂ እዩ ኢሎም፡፡ 
ሓመድ ኖራ ወይ ድማ ላይም ስቶን እንቋቁሖ ቀልጢፉ ከይበላሾ ዝሕግዝ ካልሽየም ካርቦኔት ዝተብሃለ ውህድ ከም ዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡ 
ናይ እንቋቁሖ ደርሁት ናብ ዝተዳለወለን ስፍራ ቅድሚ ምእታወን ኣብቲ ቦታ ዝኾነ ዓይነት ርስሓትን ራሕስን ዘይምህላው ምርግጋጽ ከም ዘድሊ እውን ኣረዲኦም፡፡ 
እቲ ቴክኖሎጂ ዝማዕበሉ ሃገራት ንብዙሓት ዓመታት ክጥቀምሉ ዝጸንሑን ውፅኢታውነቱ ዝተረጋገፀን ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ንኣርባሕቲ ደርሁት ሃገርና እውን ጠቓሚ ከም ዝኾነ ተመላኺቱ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም