መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መርኣያ ህንፀት ሃገርን ልህቀት ኣቪዬሽን ኣፍሪካን እዩ-ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግሥቲ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2018(ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ሃገር ካብ ዘለዎ ብሄራዊ ኩርዓት ብተወሳኺ መርኣያ ህንፀት ሃገርን ልህቀት ኣቪዬሽን ኣፍሪካን ከምዝኾነ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግሥቲ ገሊፆም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተመስረተሉ መበል 80 ዓመት ብዝምልከት ምስ ዓማዊልን መሓዙትን መድረኽ ተሞኩሮ ዓማዊል የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው፣ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ ኣገልግሎት እቲ መንገዲ ኣየር ብዝምልከት ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ዘተ ፓነል ተኻይዱ።



ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝለዓለ ውፅኢት ዘለዎን ንነዊሕ ዓመታት ዓወት ምቕፃል ዝኸኣለን ዓብይ ኩባንያ ንግዲ መንግስቲ እዩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ንህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ዕቤት ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ትካል እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምኡ እውን ምትእስሳር ውሽጢ ሃገር ንምጥንኻር ዓብይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።



ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን፤ እቲ መንገዲ ኣየር ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ኩሉ ናተይ እዩ ዝብሎ መግለፂ ሓባራዊ መንነት ብሄራዊ ትካል እዩ ኢለን።
እቲ መንገዲ ኣየር ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካ እውን ኣብቲ ዓውዲ መርኣያ ምኽኣልን ልህቀትን ዝኾነ ትካል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መርኣያ ዓቕሚ ምፍጻም ኢትዮጵያ ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፤ እቲ መንገዲ ኣየር ዓብይ ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ሎጅስቲክስ ከምዝሃነፀ ተዛሪቦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንንግዲ ወፃእን ዲፕሎማስን ዓብይ እጃም ዘለዎ ትካል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንፅባሕ ሎሚ ዝሃንፅ ዘሎ ዘኹርዕ ኩባንያ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም