ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኽ ብሄራዊ ረብሓታታ ዝሕልዉ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እናሳለጠት እያ- ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 22/2018 (ኢዜኣ)፡- ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኽ ብሄራዊ ረብሓታታ ዝሕልዉ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እናሳለጠት ከም ዝኾነት ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ገሊፆም።
ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ እዋናዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት መራሕቲ ቡሩንዲ፣ ላይቬሪያ፣ ሞዛምቢክን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከም ዝገበሩ ኣዘኻኺሮም።
እቶም መራሕቲ ኣብ እዋን ዑደቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ዘኽእል ዕዉት ዘተ ከም ዝገበሩ እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያዊ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦትን ዝልዓለ ዕብየት ኣብ ዘመዝገበትሎም ዓውድታት ልምዳ ንምክፋልን ብምትሕብባር ንምስራሕን ክልቲኣዊ ስምምዕ ከም ዝተፈራረመት ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እውን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፖርቹጋል፣ ባንግላዲሽን ኦስትሪያን ከምኡ እውን ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከም ዝገበሩ ገሊፆም።
በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ተሰጉሞም ቅዋማት ብዝግባእ ከም ዘንፀባረቐት ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ስዊድንን ኖርዌይን ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ካብ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብተወሳኺ ምስ ኣመራርሓ ኩባንያታት ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብፍላይ ድማ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ቴክኖሎጂ፣ ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእላ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ከም ዘሳለጠት ወሲኾም ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ፕረዝዳንትነት ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ብዝግባእ እናተዋፅአት ከም ዝኾነት እውን ሓቢሮም።
ከም ኣፍሪካ ጉዳይ ወሽመጥ ሆርሙዝ ምኽክር ክግበረሉ ኣጀንዳ ከም ዘቕረበት ብምግላፅ፤ ኣብ ካልኦት ኣህጉራዊ ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን እውን ሓሳባ ከም ዘካፈለት ኣልዒሎም።
ኢትዮጵያ ዘሳለጠቶም ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ዲፕሎማሲ ጉዳያት ወፃኢ ብሄራዊ ረብሓኣ ዘኽብሩን ኣብ ዞባውን፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ተቐባልነታ ዘዕብዩን እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም