መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ 80 ዓመታት ፈተና ናብ ዕድል ብምቕያር ኣህጉራዊ ምልክነቱ እናቕፀለ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2018(ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ 80 ዓመታት ፈተና ናብ ዕድል ብምቕያር ኣህጉራዊ ምልክነቱ እናቕፀለ ከምዝርከብ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉሩፕ እቲ መንገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ገሊፆም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተመስረተሉ መበል 80 ዓመት ብዝምልከት ምስ ዓማዊልን መሓዙትን መድረኽ ተሞኩሮ ዓማዊል የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።



ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓሰርተ ዓመታት ጉዕዞታት ዕቤትን ዓወትን እናሳለጠ ኣብዚ ሎሚ ዝበፅሐሉ ብርኪ በፂሑ እዩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያኣብ ናብ ካይሮ ሓደ ኢሉ ዝጀመሮ ዓለም ለኸ ኣገልግሎት በረራ ኣብዚ ሕዚ እዋን መባፅሒኡ ናብ 145 ከምዘስፈሐ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ወናኒ 147 ዘበናዊ ኣውሮፕላናት ብምዃን ኣብ ዓመት ልዕሊ 20 ሚልዮን መንገደኛታት ምትእንጋድ ዘኽእል ዘተኣማምን ዓቕሚ ከምዝሃነፀ ኣረዲኦም።
እቲ መንገዲ ኣየር ንዓማዊል ዝነኣድ ኣገልግሎት ብምሃብ ዓለም ለኸ ኣፍልጦን ሽልማትን ከምዝረኸበ ብምግላፅ፤ ንመላእ ኣፍሪካ ሞዴል ዝኾነ ዓብይ መዕርፎ ነፈርቲ እናሃነፀ ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።



ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት እውን 74 ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ከምዘምፀአን 117 ኣውሮፕላናት እውን ከምዝኣዘዘን ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ቁፅሪ መንገደኛታት ብዕፅፊ ብምዕባይ ዓመታዊ ኣታዊኡ 120 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ትርፉ ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዘዕበየ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም