ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘበረታትዕ ኣኽኣላይ ምህዳር ፈጢሩ እዩ-ኣምባሳደር ኣሌክሲስ ላሜክ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘበረታትዕ ኣኽኣላይ ምህዳር ፈጢሩ እዩ-ኣምባሳደር ኣሌክሲስ ላሜክ
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 22/2018 (ኢዜኣ)፡- ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘበረታትዕ ኣኽኣላይ ምህዳር ከም ዝፈጠረ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ገሊፆም።
ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብትብባዕ ንዓለም ለኻዊ ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲ ምቹው ምህዳር ፈጢሩ እዩ።
ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ዕብየትን ብልፅግናን ዘቀላጥፍ ሰፊሕ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለዋ ሃገር እያ።
መንግስቲ ኣማራፂታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምስፋሕ ዝወሰዶም ምምሕያሻት ፖሊሲ ዝንኣዱ ከም ዝኾኑ እውን ገሊፆም።
ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ልምዓት ንምትብባዕ ዝተወሰዱ ተግባራት ምምሕያሻት ፖሊሲ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ተመራፂት መባፅሒ ኢንቨስትመንትን ንግድን ሃገር ከም ዝገበራ ተዛሪም።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለጸ ንምስፋሕ ብትኹረት እናሰርሑ ከም ዝኾኑ እውን ኣመላኺቶም።
ፈረንሳይ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ብዝበለጸ ንምጥንኻርን ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ሓገዝ እናገበረት ከም ዝኾነት እውን ገሊፆም።