እቲ ቤት ምኽሪ ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 22/2018 (ኢዜኣ)፡- ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡
ሹመት ኣባላት እቲ ቦርድ ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ድኤታ ተጸዋዒ መንግስቲ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር)፤ እቶም ዝተሾሙ ኣባላት ብመንፅር ድልዉነት ትምህርቲ ከምኡ እውን ብዘኻዕበትዎ ክእለት ዕላማ እቲ ትካል ምዕዋት ዝኽእሉ ከም ዝኾኑ ገሊፆም፡፡ 
ብሄራዊ ረብሓ ምርዳእ ዝኽእሉ ከምኡ እውን እቲ ትካል ናብ ዓወት ከብቅዑ ከም ዝኽእሉ ዝተኣመነሎም ከም ዝኾኑ እውን ተዛሪቦም፡። 
ብመሰረት እዙይ ፦
1፡- ብሌን ማሞ ....... ኣካቢት ቦርድ 
2፡- ፈዲላ ቢያ ....... ኣባል
3፡- ተስፋዬ ዘውዴ ....... ኣባል
4፡- መሐመድ ካሳ ....... ኣባል
5፡- ኣፈወርቅ በደዊ ....... ኣባል
6፡- ኣስማ ረዲ ....... ኣባል
7፡- ዮናስ በቀለ ....... ኣባል
8፡- ሃፍታይ ገብረእግዚአብሔር ....... ኣባል
9፡- ኢሳያስ ካሳ (ዶ/ር)....ኣባል ኮይኖም ክሽወሙ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ እቲ ቤት ምኽሪ መርሚሩ ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፀዲቑ፡፡ 
እቶም ተሾወምቲ እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም