ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብኡ ፅባሕ ከካይድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 21/2018 (ኢዜኣ)፦ መበል 6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያዊ መበል 18 ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት እዋን ስርሑ ፅባሕ ከም ዘካይድ ተገሊፁ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ሪፐብሊክ ሴራሊዮንን፤ መንግስቲ ፌዴሪኢን ሪፐብሊክ ኣንጎላን፣ መንግስቲ ፌዴሪኢን ህዝባዊ ሪፐብሊክ ባንግላዲሽን ከምኡ እውን መንግስቲ ፌዴሪኢን መንግስቲ ንጉሰ ነገስታት ኢንስዋቲኒን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣገልግሎት ኣየር ንምፅዳቕ ዝቐረቡ ረቒቕ ኣዋጃት መርሚሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ከም ዝመርሕ ተመላኺቱ።
ብኻልእ ወገን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ፌዴሬሽን ሩስያን ሓበራዊ ማእኸል ምርምር ባይሎጂ ንምጥያሽ ዝተፈረመ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ እዩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ሶሻሊስት ሪፐብሊክ ቬትናምን ናይ ዲፕሎማቲክ ወይ ድማ ፓስፖርት ኣገልግሎት ኦፊሻል ንዝሓዙ ሰባት ቪዛ ንምትራፍ ዝተፈረመ ስምምዕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ መርሚሩ ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከም ዝመርሕን ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ መርሚሩ ከምዘፅድቕን ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም