ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዕውታት ተግባራት ምክልኻል ገበንን ምርግጋፅ ልዕልና ሕግን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ 

ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 21/2018(ኢዜኣ)፦ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዕውታት ተግባራት ምክልኻል ገበንን ምርግጋፅ ልዕልና ሕግን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከም ዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ገሊጹ፡፡ 
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ተሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ገምጊሙ፡፡ 



ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብዚ እዋን ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ፤ ኣብ 9 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተረኸበሎም ስራሕቲ ምክልኻል ገበን ተሳሊጦም እዮም ኢሎም።
ኣብ ምክልኻልን ቁፅፅርን ኮንትሮባንድ፣ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን መደንዘዚ ዕፅን እውን ዕዉት ስራሕ ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም።
ኣብ ምርመራ ገበን፣ዝውውር ዘይሕጋዊ መሳርሒ፣ምክልኻል ገበን ራዕዲ እውን ዓቕሚ ምፍፃም ብምዕባይ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተመዝገቡ ኣብራህሪሆም።



ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ምዕጣቕን እውን ብተመሳሳሊ እቲ ትካል ብብርኪ ኣፍሪካን ዓለም ለኸን ተወዳዳሪነቱ እመናወሰኸ እዩ ኢሎም።
ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፍትሕን ሕግን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ እቲ ኮሚሽን ብምግምጋም ኣብቲ ከይዲ ዝተርኣዩ ጥንካረታትን ድኽመታትን ብርኢቶን ሕቶን መልክዕ ኣቕሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ገበን ኣብ ምክልኻልን ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲቶም።
ኣካቢት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ወይዘሮ እፀገነት መንግሥቱ፤ ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ምክልኻል ገበንን ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅን ዕዉታት ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ኢለን።



ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ዝተሳለጡ ለውጥታት ብምጥንኻር ስራሕቲ ምርግጋፅ ተሓታትነትን ምክልኻልን ገበን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም