በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣሰራርሕኡ ብምምዕባል ኣብ ዓብይ ከይዲ ስግግር እዩ ዝርከብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣሰራርሕኡ ብምምዕባል ኣብ ዓብይ ከይዲ ስግግር እዩ ዝርከብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 21/2018 (ኢዜኣ) በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣሰራርሕኡ ብቴክኖሎጂ ብምምዕባል ኣብ ዓብይ ከይዲ ስግግር ከም ዝርከብ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ እቲ ምምሕዳር ከተማ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕቲ ሪፎርም ተዓዚበን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንህንፀት ትካል ዝሃቦ ትኹረት ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ።
ትካላት ቀፃልነት ዘለዎ ስራሕ ንክሰርሑን ኣወሃህባ ኣገልግሎቶም እውን ዘላቒ ንክኸውንን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾነ በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ ዓብይ መርኣያ እዩ ኢለን።
እቲ በዓል መዚ ብቴክኖሎጂ ዓርሱ ብምምዕባልን ኣብ ሓበሬታ መሰረት ብምግባርን ሕግን ስርዓትን ናብ ምኽባር ከምዝተሰጋገሩ እውን ሓቢረን።
እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ወረቐት ኣልባ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ሓደ ኣካል ህንፀት ስማርት ሲቲ እታ ከተማ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
እቲ ማሕበረሰብ ጥሕሰት ደንቢ እንትፍፀም ኣብ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ጥቆማ ዝህበሉ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ እውን ኣብራህሪሀን።
በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ ኣሰራርሕኡ ብምምዕባል ኣብ ዓብይ ከይዲ ስግግር ከምዝርከብ እውን ኣረጋጊፀን።