ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካርዲ መረፃ ንምውሳድ ዘርኣይዎ ልዑል ተበግሶ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ዘመስከረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካርዲ መረፃ ንምውሳድ ዘርኣይዎ ልዑል ተበግሶ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ዘመስከረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 21/2018 (ኢዜኣ) ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካርዲ መረፃ ንምውሳድ ዘርኣይዎ ልዑል ተበግሶ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ዘመስከረ ከምዝኾነ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ገሊፁ።
ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ ምዝዛም ምዝገባ መረፅቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ።
እቲ መግለፂ ዝሃቡ ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ማሩ ጃኔ፤ እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ጉዳያት እታ ከተማ ምስ ምምሕዳር እቲ ከተማ ብሓባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ከይዲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ነበርቲ እታ ከተማ ካርዲ መራፂ ንክወስዱ ብዝተፈላለዩ መንገዲ ግንዛበ እናፈጠረ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።
እቲ መረፃ ዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ውፅኢታዊ ዘተታት ከምዝተገበሩ እውን ሓቢሮም።
ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካርዲ መራፂ ኣብ ምውፃእ ዘርኣዮ ልዑል ተበግሶን ቆራፅነትን እቲ ሕብረተሰብ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎ ድሌት ብተግባር ዘመስከረ እዩ ኢሎም።
ምዝዛም ምዝገባ መረፅቲ መጀመሪ እቲ መረፃ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ እውን ኩሎም ኣካላት ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
እቲ ቤት ምኽሪ እውን እቲ መረፃ ብሰላም ክሳብ ዝዛዘም ትፅቢት ዝግበረሉ እጃም ከምዝዋፃእ ኣረጋጊፆም።