ዞባዊ ፃዕርታት ሽምግልና ኣብ ጠንካራ ፖለቲካዊ መሰረታት ክህነፁ ይግባእ-ኢጋድ - ኢዜአ ትግርኛ
ዞባዊ ፃዕርታት ሽምግልና ኣብ ጠንካራ ፖለቲካዊ መሰረታት ክህነፁ ይግባእ-ኢጋድ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 21/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝግበሩ ፃዕርታት ሽምግልና ኣብ ጠንካራ ፖለቲካዊ መሰረታት ክህነፁ ይግባእ ክብሉ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግሥትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ፈላማይ ጉባኤ ምኽክር ሽምግልና በዓል መዚ በይነ መንግሥትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣብ ኬንያ ናይሮቢ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
እቲ ጉባኤ፤ “ሽምግልና ኣብ ዝተኸፋፈለ ዓለም ብሓዱሽ መልክዕ ምቕናይ፣ፈተናታት በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ንኢጋድ ሽምግልና ከም ኣማራፂ ዝረአ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዘይኮነስ እቲ ትካል ብዋናነት ክዋፅኦ ዝግባእ ቀዳማይ ግቡእ ፖለቲካ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝግበሩ ፃዕርታት ሽምግልና ዕዉታት ንክኾኑ ካብ ዝተበታተነ ኣካይዳ ወፂኦም ብሓደ ግልፂ ስትራቴጂካዊ መሪሕ ትልሚ ዝምርሑን ዝጠንከረ ፖለቲካዊ መሰረት ዘለዎምን ክኾኑ ከምዝግባእ እውን ምግላፆም ኢዜኣ ካብ ሴክሬታሪያት ኢጋድ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።