ርክብ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ እዋን ቃልሲ ነፃነት ብደም ዝተፈተነ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ርክብ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ እዋን ቃልሲ ነፃነት ብደም ዝተፈተነ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 20/2018(ኢዜኣ) ርክብ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ እዋን ቃልሲ ነፃነት ብደም ዝተፈተነ ታሪኻዊ ሕውነት እዩ ክብላ ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ተረኺቦም ዑደት ገይሮም።
እቶም ፕሬዚዳንትን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ እንትበፅሑ ብሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ኣቀባብላ ዝተገበረሎም እንትኸውን፤ ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ እውን ዘትዮም እዮም።
ኣብዚ እዋን ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ከምዝበልኦ፤ ርክብ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ እዋን ቃልሲ ነፃነት ብደም ዝተፈተነ ታሪኻዊ ሕውነት እዩ።
ኢትዮጵያ ንነፃነት ሞዛምቢክ ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ቀዳማይ መግለፂ ቅዋም ፓን ኣፍሪካኒዝም ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኺረን።
ሕዚ ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ናብ ዝለዓለ ስልታዊ ወታደራዊ ምትሕብባር ንምስግጋር እውን ግልፂ ድሌትን ትልምን ከምዘሎ ኣመላኺተን።
ፕሬዝዳንት ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ንልኣላዊነትን ነፃነትን ሞዛምቢክ ዘበርከተቶ ልዑል ኣስተዋፅኦ ብምዝዝኽኻር ምስጋና ኣቕሪበን።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘለዎ ልዑል ብርኪ ብቕዓትን ድሉውነትን ውግእ ብምንኣድ፤ እዚ ዑደት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራውን ዲፕሎማሲያውን ርክብ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዘሰጋግሮ ተዛሪቦም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም ምስ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ እዋናዊ ዞባዊ ጉዳያትን ስትራቴጂታት ክልቲኣዊ ወታደራዊ ምትሕብባርን ውፅኢታዊ ዘተ ገይሮም እዮም።
ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ዓብይ ፋይዳ ከምዘለዎ ከምዝተገለፀ ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።