ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ክተተአናግድ እያ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 20/2018 (ኢዜኣ) ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ተወዳደርቲ ብስክሌት ዝሳተፍሉ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ማውንቴን ባይክ ኢሊሚኔተር (UCI City Mountain Bike Eliminator) ካብ 24 ክሳብ 25 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ዓለም ለኸ ሕብረት ብስክሌት (UCI) ኣፍልጦ ዝሃቦን ብብርኪ ዓለም ልዑል ኣድናቖት ዝረኸበን "ሲቲ ማውንቴን ባይክ ኤሊሚኔተር ፕሮ ሊግ" ኣብ ታሪኹ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ።



እቲ ውድድር ኣብ ፒያሳ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዝሳለጥ እንትኸውን፤ ኣብዚ ውድድር ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ብርክት ዝበሉ ተወዳደርቲ ብስክሌት ከምዝሳተፉ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም