ከይዲ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይልን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምቅልጣፍ ዕድል ፈጢሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 20/2018(ኢዜአ)፦ ከይዲ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይልን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምቅልጣፍ ዕድል ከም ዝፈጠረ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ገሊፆም። 
ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ንኢዜአ ከም ዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ልምዓት ኣብ ዘቀላጥፍ ጉዕዞ ዕቤት ትርከብ ሃገር እያ። 
ብፍላይ ድማ ኣብ ተሓዳሲ ሓይልን ስግግር ቴክኖሎጂን ትፈጥሮ ዘላ ዘስደምም ዓቕሚ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ሓዊሱ ልምድን ተሞክሮን ዝውሰደሉ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ከይዲ ጉዕዞ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይልን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘቃላጥፉ ወሰንቲ ዓውድታት ከም ዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።
ዓወታት ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ፀቕጢ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ብዓለም ለኸ ብርኪ ፍሉይ ትኹረት ዝውሃቦ ዛዕባ ከም ዝኾነ ኣገንዚበም።
ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ፈረንሳይ ኣድላዪ ሓገዝ ገንዘብን ቴክኒክን ከም ትገብር እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም