እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዝሕሰቡ መጥቃዕትታት ምምካትን ምሕለውን ዘኽእል እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 20/2018(ኢዜኣ) ረቂቕ ኣዋጅ ድሕንነት ሳይበር ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዝሕሰቡ መጥቃዕትታት ብምምካት ልኣላዊነት ብዘተኣማምን ኩነታት ንክሕለው ከምዝገብር ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ረዳት ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 17 ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ።
እቲ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ሳይበር ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ንምርግጋፅ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን መሪሑ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ረዳት ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር) ኣድላይነት እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብራህሪሆም።
ኣብ መብራህርሂኦም እውን ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዘነፃፀሩ መጥቃዕትታት ሳይበር ኣብ ምጣነ ሃፍቲ፣ ማሕበራዊ መስተጋብር፣ብሄራዊ ድሕንነት፣ሰላምን ምርግጋዕን ሃገር ከምኡ እውን ኣብ ልኣላዊነት ሃገር ኣሉታዊ ፅልዋ ዝፈጥሩ ስለዝኾኑ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ምድላው ኣድላይ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።
ንሓለዋ ድሕንነት ሳይበር ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ዝተዋደደ፣ውፅኢታውን ቅልጡፍን ልውውጥ ሓበሬታን ፍፃመታት ሳይበርን ምክፋልን ምግታእን ዘኽእል ስርዓት ምፍጣር ኣድላይ ኮይኑ ብምርካቡ እውን ከምዝኾነ ወሲኾም ገሊፆም።
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ፌዴሪኢን ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይን ዝተገበረ ስምምዕ ልቓሕ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መንግሥቲ ፌዴሪኢን ማሕበር ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓን ዝተገበረ ስምምዕ ልቓሕ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ኣፀዲቑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም