ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ዘላቕን ጭቡጥን ለውጢ ንዘምፅእ ምሕዝነት መሰረት ዘንበረ ውፅኢታዊ ክልቲኣዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ስትራቴጂካዊ ዓውድታት ዘለና ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግሩን ማዕቐፍ ኣሰራርሓ ዝኾኑን ዝተፈላለዩ ሰነዳት መረዳድኢ ኣሳሊጥና ክብሉ ሓቢሮም።