ኣብ ሓባራዊ ምክብባር መሰረት ዝገበረ ዕቤትን ለውጥን ንዝምነዩ ኢትዮጵያ ካልአይቲ ገዝኦም እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ሓባራዊ ምክብባር መሰረት ዝገበረ ዕቤትን ለውጥን ንዝምነዩ ኩሎም ኢትዮጵያ ካልአይቲ ገዝኦም እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ መልእኽቲ እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ ብደሓን መፁ ኣመሓላሊፎም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላ፣ ወናኒት ብዙሓት ፀጋታት ስለዝኾነት መሓዙታ ፀኒዑ ብዝፀንሐን ኣብ ሓባራዊ መሰረት ማእኸል ብዝገበሩን ሓባራዊ ዕቤት ንምንባር ኢዳ ዘርጊሓ እያ ትቕበል ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ካብ ሓባራዊ ምሕዝነትና ዝቕዳሕ፣ ኣብ ሓባራዊ ምክብባር መሰረት ዝገበረ፣ ብዝለዓለ ራኢ ዝተመልአ ዕቤትን ለውጥን ንዝምነዩ ኩሎም ኢትዮጵያ መብፅሒት ጥራሕ ዘይኮነትስ ካልአይቲ ገዝኦም እውን እያ ክብሉ ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ፎ/ር)፤ ፃንሒት ፕሬዚዳንት ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ንሓባራዊ ዓወትን ዘላቒ ምሕዝነትን መሰረት ዘንብር ውፅኢታዊ ንክኸውን እውን ተመንዮም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም