ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ብሓባር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ጥሙር ኮሚቴ ብምጥያሽ ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን።
ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ብሚኒስትር ምክልኻል ሞዛምቢክ ኢ-ክርስቲያቮ አርቱር ቹሜ ንዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ኣዘራሪበን።
ኣብ ዘተኦም እውን ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእላሉ ወታደራዊ ጉዳያት መኺሮም።



ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2009 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገበረ ወታደራዊ ርክብ መሰረት ብምግባር ሓባራዊ ጥሙር ኮሚቴ ብምጥያሽ ናብ ስራሕ ምእታው ኣብ ዝከኣለሎም መሰረታዊ ጉዳያት ከምዝዘተዩ እውን ተገሊፁ።
ብሓባር ምስራሕ ዝበለፀ ዓቕሚ ንምርካብን ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ዓውዲ ውፅኢት ንምምፃእን ከምዝጠቅም ኣብቲ መድረኽ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ እቲ ናይ ሎሚ ዘተ እውን እቲ ጥሙር ኮሚቴ ንምጥያሽ ይኹን ቀፃሊ ወታደራዊ ርክብን ምትሕብባርን ንምቕፃል ናይ ባዕሉ እጃም ከምዘበርክት ከምዝተገለፀ ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም