ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ እዋን ስርሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደር ሰሜን ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሲም ቶንግ ጎክ ኣሰናቢቶም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ)፦‎ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ እዋን ስርሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደር ሰሜን ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሲም ቶንግ ጎክ ኣሰናቢቶም፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ፤ ኣምባሳደር ሲም ቶንግ ጎክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡ 
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሰሜን ኮሪያን ኣብ ክልቲኣዊ ዲፕሎማስያዊ ምትሕብባር ታሪኻዊ ምሕዝነት ምህላዉ እውን ገሊፆም፡፡ 



ታሪኻዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ንግድን ኢንቨስትመንትን እውን ብምዕባይ ሓበራዊ ተረባሕነት ምጥንኻር ከም ዘድሊ ኣመላኺቶም፡፡ 
ኣብ ቐፃሊ እውን ኢትዮጵያ ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ንምጥንኻር ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ኣረጋጊፆም፡፡ 
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ መልእኽቶም እቶም ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ምስጋንኦም ብምግላፅ፤ ንመፃኢ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፀምሎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም