ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብ ኩሎም ትካላት ተግባራዊ ምግባር ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን እናተሃነፀ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብ ኩሎም ትካላት ተግባራዊ ምግባር ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን እናተሃነፀ ከም ዝርከብ ፓርክ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡ 
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መራሒ (Champion) ሰብ ስራሕ ብልሒ(Artificial Intelligence)ን ዲጂታል ዓውዲ ጥዕናን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ከም ዝተሾሙ ዝዝከር እዩ፡። 
እቲ ሹመት ዝተውሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ዓውዲ ብዘርኣይዎ መሪሕነትን ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣህጉር ሰብ ስራሕ ብልሕን ስራሕቲ ምህዞን ንምስፍሕፋሕ እናተግበረቶ ዝርከብ ዝለዓለ ግደ ኣፍልጦ ንምሃብን ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ እቲ ሹመት ኢትዮጵያ መትከላት ስነ ምግባር ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ ተኸቲላ ብምልማዕ፣ ብምምርማር ከምኡ እውን ተግባራዊ ብምግባር ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ቀዳሚት ሃገር ክትከውን ንዝሰርሕዎ ስራሕ ዝተውሃበ ኣፍልጦ ክብል ገሊፅዎ፡፡ 
ፓርክ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ እውን ኢትዮጰያ ካብ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም ማእኸል ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን ምግባር ዘኽእሉ ተግባራት እናሳለጠ እዩ ዝርከብ፡፡
ፓርክ ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን ኢትዮጵያ ንዕውትነት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025ን ንትልሚ ዲጂታል 2030 ሓደሽቲ ኣምራት ምህዞ ኣብ ምፍላቕን ሃናፂ ግደ እናተፃወተ እዩ። 
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፓርክ ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን ኢትዮጵያ በለጠ እሱባለው ንኢዜአ ከም ዝበልዎ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ ንልህቐት ኣመራርሓን ልምዓት ቴክኖሎጂን ኣገዳሲ እናኾነ መፂኡ እዩ፡፡ 
ፓርክ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ እውን መሰረተ ልምዓት ሰብ ስራሕ ብልሒ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኽኣላይ ከባቢ ዲጂታል ንምፍጣር እናሰርሐ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡፡ 
ብፍላይ ፋይበር፣ፓወርን ካልኦት መሰረተ ልምዓት ዲጂታልን ብምምላእ ስርዓት ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን ዘዘምን ምቹው ኩነታት ከም ዝተፈጠረ ተዛሪቦም፡፡ 
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሽቶኡ ክወቅዕ ብሰብ ስራሕ ብልሕን ዲጂታል ክእለትን ዝበልፀገ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም