ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሞዛምቦክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ገይሮምሎም

‎ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሞዛምቦክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ዑደት እቶም ፕረዝዳንት ሓበራዊ ልምዓትን ምትእስሳር ህዝብታትን ክልቲኤን ሃገራት ትርጉም ብዘለዎ መልክዕ ለውጢ ከምፅኡ ዝኽእሉ ጭቡጥ ስራሕቲ ቀዳምነት ዝሃበ ከም ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ፡፡ 
ብተወሳኺ እውን እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ንሓቀኛ ኣፍሪካዊ ምትሕብባር ዘለዋ ዘይነቓነቕ ቆራፅነት ዘረጋግፀ እዩ ክብል ኣመላኺቱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም