ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ማእኸል ኣብ ዝገበረ ውፅኢታዊ ኣንፈት ልምዓት እያ ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ማእኸል ኣብ ዝገበረ ውፅኢታዊ ኣንፈት ልምዓት እያ ትርከብ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ፈንድስ ኢንቨስትመንት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(CIf) ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልውውጥ ልምዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ጉባኤ፤ ሙሁራን፣ መሓዙት ልምዓትን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ሓዊሱ ኣምባሳደራትን ተወከልቲ ሃገራትን ተረኺቦም።



ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ራእን ኣንፈትን ዕቤት ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ማእኸል ዝገበረ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ተሓዳሲ ሓይሊ ብምስፍሕፋሕ፣ቀረብ ማይ ብምምሕያሽ፣ ዝባደሙ መሬታት ዳግማይ ንክሓውዩ ብምግባር ዓቕሚ ምፅዋር እቲ ማሕበረሰብ ዘዕብዩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን ከተማ ኣዲስ ኣበባ እታ ከተማ ዘበናዊ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዕቤት ምስ ሓለዋ ከባቢ ብዝተናበበ መልክዑ ከመይ ከምዝሳለጥ መርኣያ እዮም ኢሎም።
መንግሥቲ ምስ ፈንድስ ኢንቨስትመንት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣማራፂ ቀረብ ሓይልን ተፈጥሮ መሰረት ዝገበሩ መፍትሕታትን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ እውን ኣረዲኦም።
ኣብዚ ጉባኤ ልውውጥ ልምዲ እውን ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ዘለዋ ተሞኩሮ ንምክፋልን ካብ ካልኦት ተሳተፍቲ ንምምሃርን ድሉውቲ እያ ኢሎም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፈንድስ ኢንቨስትመንት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(CIF) ታሪዬ ባድጌሲን ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ብቢልዮን ዝቑፀሩ ፈልስታት ብምትካል ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር መርኣያ ዝኸውን ስራሕ ከምዘሳለጠት ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ መበል 2ይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ቅድሚ ሕዚ ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ምትእንጋዳ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ልዑል ተሞኩሮ ዘርኢ እዩ ኢሎም። 
ፈንድስ ኢንቨስትመንት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም