ሕብረት ኣፍሪካ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መራሒ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ብልሒን ዘፈር ጥዕናን ገይሩ ምሿሙ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓውዲ ንዘርአየቶ ዝላ ግብራዊ ምላሽ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣፍሪካ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መራሒ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ብልሒን ዘፈር ጥዕናን ገይሩ ምሿሙ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓውዲ ንዘርአየቶ ዝላ ግብራዊ ምላሽ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 16/2018 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ብልሒን (AI) ዘፈር ጥዕናን መራሒ (Champion) ገይሩ ምሿሙ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ንዘመዝገበቶ ዝላ ግብራዊ ምላሽ እዩ ክብላ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፍትሒን ሕግን ወ/ሮ እፀገነት መንግሥቱ ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ብልሒን (AI) ዘፈር ጥዕናን መራሒ (Champion) ኮይኖም ከምዝተሾሙ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ሹመት ዝተውሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ዓውዲ ንዘርኣይዎ መሪሕነትን ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣህጉር ሰብ ስራሕ ብልሕን ስራሕቲ ፈጠራን ንምስፍሕፋሕ ተሳልጦ ንዘላ ዝለዓለ እጃምን ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ።
ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፍትሒን ሕግን ወ/ሮ እፀገነት መንግሥቱ ንኢዜኣ ከምዝገለፀኦ፤ ሹመት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣዝዩ ዘሕጉስን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን እዩ።
ኢትዮጵያ ንትማሊ መርሚራ፣ ጭቡጥ ኩነታት ሎሚ ተረዲኣን ፅባሕ ኣብ ፍልጠት ሰብ ስራሕ ብልሒ መሰረት ገይራ ንምንትንባይን ዝጀመረቶ ሰፊሕ ስራሕ ኣፍልጦ እናረኸበ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተውሃቦም ሹመት ውፅኢት ተበግሶ ፈጠራን ቆራፅነት ቴክኖሎጅን መንግሥቲ እዩ ኢለን።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት ዋላ ኳ ሓፂር ግዜ እንተኾነ ዘመዝገቦ ውፅኢት ግና ነቲ ናይ ሎሚ ሹመት ዘብቅዐ ውፅኢት ድኻም ከምዝኾነ ሓቢረን።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዓውዲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ መርኣያ ሃገር ንክትኸውን ዝገብራ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ እውን ኣረዲአን።
ኢትዮጵያ ዝረኸበቶ ኣፍልጦ ንዝበለፀ ስራሕ ምልዕዓል ዝፈጥር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ሓደሽቲ ስራሕቲ ፈጠራ ብምውሳኽ እቲ ጉዕዞ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።