ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 50 ሚልዮንን 514 ሽሕን መረፅቲ ተመዝጊቦም-ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 50 ሚልዮንን 514 ሽሕን መረፅቲ ተመዝጊቦም-ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 15/2018 (ኢዜኣ) ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 50 ሚልዮን 514 ሽሕን መረፅቲ ከምዝተመዝገቡ ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ገሊፀን።
ምዝገባ መረፅቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ትማሊ 14 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ተዛዚሙ።
ዜጋታት ብዲጂታል ኣማራፂ መተግበሪ ሞባይል ‘ምርጫዬ’ን ኣብ ጣብያታት መረፃ ብምርካብን ካርዲ መረፅቲ ወሲዶም እዮም።
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ምዝዛም ምዝገባ መረፅቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ እቲ ቦርድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምክያድ ምዝገባ ሕፁያትን መረፅትን ከምዘሳለጠ ተዛሪበን።
ብዚ መሰረት ድማ ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 1 ለካቲት ምዝገባ ሕፁያት ከምዝተኻየደ ሓቢረን።
ከምኡ እውን ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ምዝገባ መረፅቲ ንተወሰኽቲ 14 መዓልትታት ብምንዋሕ 14 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ከምዝተዛዘመ ኣረዲአን።
ስለዝኾነ ድማ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያብ ክሳብ ሕዚ ብዝበፅሖ ሓበሬታ 50 ሚሊየንን 514 ሽሕን 155 መረፅቲ ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጠን።
ልዕሊ 5 ሚሊየንን 503 ሽሕን ዝኾኑ መረፅቲ ብዲጂታል ኣማራፂ ከምዝተመዝገቡ ብምግላፅ፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ብኣካል ከምዝተመዝገቡ ገሊፀን።