ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተውሃበ ሓላፍነት ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብ ኣፍሪካ ዝሓዘቶ መሪሕነት ዘርኣየ እዩ-ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 15/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መራሒ ሰብ ስራሕ ብልሕን ዲጂታል ዓውዲ ጥዕናን ገይሩ ምሿሙ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብ ኣፍሪካ ንዝሓዘቶ መሪሕነት ብግልፂ ዘርኣየ ከምዝኾነ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪካ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መራሒ (Champion) ሰብ ስራሕ ብልሕ(Artificial Intelligence)ን ዲጂታል ዓውዲ ጥዕናን ገይሩ ብምሿሙ ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)፤ ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተውሃበ ሓላፍነት ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብ ኣፍሪካ ንዝሓዘቶ መሪሕነት ብግልፂ ዘርኣየ እዩ ኢሎም።
እቲ ሹመት ዝተውሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ዓውዲ ንዘርኣይዎ መሪሕነትን ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣህጉር ሰብ ስራሕ ብልሕን ስራሕቲ ፈጠራን ንምስፍሕፋሕ ተሳልጦ ንዘላ ዝለዓለ እጃምን ኣፍልጦ ዝሃበ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ዲጂታላይዜሽንን ሰብ ስራሕ ብልሕን ዘመዝገበቶ ዕቤት ልዑል ኣፈፃፅማ ኣርእያ እያ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ምግላፁ ዝዝከር እዩ።
ምስፍሕፋሕ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት፣ኣገልግሎታት ኢ-መንግሥቲ (e-government) ኣብ ስራሕ ምውዓል፣ ኣብ ስነ ምህዳር ፈጠራ መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ፣ኢንስቲትዩት ሰብ ስራሕ ብልሒ ምጥያሽ ከምኡ እውን ሃገራዊ ስትራቴጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ ምሕንፃፅ ነቲ ለውጢ ጠንካራ መሰረት ዘንበሩ ስራሕቲ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ እውን ዓርሱ ዝኸኣለ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ንምጥያሽ ዝተተለመ ትልሚ፤ ምርምር፣ ልምዓት ክእለትን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ዝበለፀ ከምዘጠናኽር ትፅቢት ይግበር ኢሉ እቲ ቤት ፅሕፈት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም