ኢትዮጵያ ንዝለዓለ ውፀኢታውነት ሓለዋ ከባቢ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ወሳኒ እታዎት እናተጠቐመት ትርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንዝለዓለ ውፀኢታውነት ሓለዋ ከባቢ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ወሳኒ እታዎት እናተጠቐመት ትርከብ
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/ 15/2018(ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሓለዋ ከባቢ ተሳልጦ ዘላ ውፅኢታዊ ስራሕ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣደጊፋ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ወሳኒ እታዎት እናተጠቐመት ከም ዝኾነት ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቲ ኢንስቲትዩት ምስ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘዳለዎ "ዲጂታል ስርዓት ሪፖርት መግበሪ ብኽለት ከባቢ" ብዕላዊ ስራሕ ኣጀሚሩ።
እቲ ሓዱሽ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ስራሕቲ ሓለዋን ቁፅፅርን ብኽለት ከባቢ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተሓገዘ ትንታነ ዳታ ንምስላጥ ዝዓለመ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ትካል ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ጀሚሩ "ኤ. ኣይ ንኹሉ" ብዝብል ኣምር ንሃገራዊ ሽቶታት ልምዓት ዝሕግዙ ውፅኢታት እናፍረየ እዩ ዝርከብ።
እቲ ሎሚ ዕላዊ ዝተገበረ መተግበሪ እውን ሕብረተሰብ ሓበሬታታት ብኽለት ብቐሊሉ ከመላኽትን ብቅልጡፍ ትንታነ ዳታ ግቡእ መልሲ ምሃብን ዘኽእል ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም።
ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን በረከት ፍስሃጽዮን፤ መንግስቲ ተረባሕነት ወለዶ ሕዝን መፃእን ኣብ ግምት ንዘእተወ ልምዓት ኢኮኖሚ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ሎሚ ዕላዊ ዝተገበረ ዲጂታል መተግበሪ እውን መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ዝገብሮም ምምሕያሻት ፖሊሲን ፈጣን መልስታትን ኣብ ዳታ ዝተመርኮሰ ክኸውን ከም እታዎት ዘገልግል እዩ ኢሎም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ሌሊሴ ነሜ (ዶ/ር) ብወገነን፤ እቲ መተግበሪ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዝተሃነፁ ልምዓታት ኮሪደር፣ወሰና ወሰን ሩባን ስራሕቲ ፅሬትን ብዘላቕነት ንምሕላው ዝለዓለ እጃም ከም ዝህልዎ ገሊፀን።
እቲ ቴክኖሎጂ ትካለን ኣብ ሓበሬታ ዝተደረኸ ውሳነ ክውስንን ፍልፍል ብኽለት ከባቢ ብቕርበት ንምቁፅፃርን ዓቕሚ ከም ዝፈጥር ተዛሪበን።
ስለዝኾነ ንፅህቲ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሕብረተሰብ ብንቕሓት ብምስታፍ ጥቆማታት በቲ መተግበሪ ንክህብ ፃውዒት ኣቕሪበን።
እቲ ዲጂታል ሪፖርት መግበሪ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምላዋይ ልምዓትን ፅባቐ ከተማታትን ዝጀመረቶም ዕዉታት ስራሕቲ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ዝሓሸ ኩነታት ኣየር ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዓብይ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ተገሊፁ።