ኣወሃህባ ኣገልግሎት ናብ ዲጂታልን ተንቀሳቓስን ኣማራፅታት ብምስግጋር ዕግበት ዜጋታት ምዕባይ ንሃገራዊ ብልፅግና እቲ ቀንዲ መንገዲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 14/2018(ኢዜኣ) ኣወሃህባ ኣገልግሎት ናብ ዲጂታልን ተንቀሳቓስን ኣማራፅታት ብምስግጋር ዕግበት ዜጋታት ምዕባይ ንሃገራዊ ብልፅግና እቲ ቀንዲ መንገዲ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘበናት ዝፀንሑ ፀገማት ምርካብ ኣገልግሎት ንምፍታሕ ኣብ መንግሥቲ ይኹን ኣብ ዓውዲ ውልቀ ልዑል ለውጢ ባህሊ ከምዘድሊ ገሊፆም።



ኣወሃህባ ኣገልግሎት ናብ ዲጂታልን ተንቀሳቓስን ኣማራፅታት ብምስግጋር ዕግበት ዜጋታት ምዕባይ ንሃገራዊ ብልፅግና እቲ ቀንዲ መንገዲ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዋላ ኳ ዝተፈላለዩ ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ እንተተፈተኑ እቲ ኣገልግሎት በቲ ዝድለ መጠን ከመሓይሽዎ ከምዘይኸኣሉ ኣዘኻኺሮም።
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ስትራቴጂ ብምሕንፃፅ ትካላዊ ስርዓት ብምህናፅ ኣብቲ ዓውዲ ኣገልግሎት ዝሳለጥ ዘሎ ሪፎርም ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ማእኸላት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብ 45 ከምዝዓበየ ብምግላፅ፤ ልዕሊ 100 ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኣብ ስራሕ ዘለዉ ማእኸላት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ንኢትዮጵያ እኹላት ብዘይምዃኖም እቲ ኣገልግሎት ብዝበለፀ ናብቲ ሕብረተሰብ ተበጻሒ ንምግባር ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣውቶብስ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጦም።



እቲ ኣገልግሎት ዝህባ ኣውቶብሳት ብኤሌክትሪክን ጋዝን ዝሰርሓ፣ኢንተርኔትን ዝተማልአ መሰረተ ልምዓትን ዘለወን ከምዝኾና እውን ኣብራህሪሆም።
ዝኾነ ዜጋ ናብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብምኻድ እቲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምዕዛብ ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተን ሰለስተን ዓመታት ሰባት ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ሙሉእ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ስርዓት ንምዝርጋሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም