ቀሳቓሲ ኣገልግሎት ኣዲስ መሶብ ዝድለ ኣገልግሎት ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ዕድል ዝፈጥር እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 

ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 14/2018 (ኢዜኣ)፦ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ኣዲስ መሶብ ህዝቢ ናብ ቦታታት መውሃቢ ኣገልግሎት ምኻድ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣገልግሎት ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ዕድል ዝፈጥር እዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ 
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ዲጂታል መውሃቢ ኣገልግሎታት መንግስቲ ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ኣዲስ መሶብ ከም ዘጀመሩ ከንቲባ ኣዳነች ገሊፀን፡፡ 



ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ኣዲስ መሶብ ህዝቢ ናብ ቦታታት መውሃቢ ኣገልግሎት ምኻድ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣገልግሎት ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ዕድል ዝፈጥር እዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓቢረን፡፡ 
ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ኣውቶብስ ኣዲስ መሶብ ብዝተማልአ ብርኪ ኣገልግሎት ዝጀመረ ኮይኑ ህዝብና ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ኣገልግሎት ክረክብ ዕድል ፈጢሩ እዩ ኢለን፡፡ 
ኣብታ ኣውቶብስ፤ ስራሕ መውሃቢ ኣገልግሎት፣ ስራሕ መማረጺ ሓይሊ(ካብ ፀሓይ ብርሃን)፣ ፈጠን መማረፂ ኔትዎርክ (MPLS = Multi Protocol Label Switching) ብዝተሳኸዐ መልክዑ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ምግጣም ካሜራን ስራሕ ኮንፊግሬሽንን ዝተዛዘመ ኮይኑ መሰረታዊ እታዎት መውሃቢ ኣገልግሎት  ተማሊኡ ኣገልግሎት ፈተነ ብዝተሳኽዐ ኩነታት ከም ዝተኻየደ ኣረዲአን።



ብመዳይ ምድላው ቴክኖሎጂ እውን ወፃዒ ዘትርፍ( በቢ ማእኸላት ህንፀት ዳታ ማዕኸል ዘትርፍ)፣ ፅሬት ኣገልግሎትን ሓደ ዓይነትነትን ዘረጋግፅ፣ ኣብ ኩሎም ማእኸላት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል Unified Infrastructure Model ተግባራዊ ምግባር ከም ምኽኣልና ብዝለዓለ ሓጎስ ክነብስር ንደሊ ኢለን እተን ከንቲባ፡፡ 
ተንቀሳቛሲ ኣገልግሎት ኣውቶብስ ዝህቦም ኣገልግሎታት፦
መለለዪ ቁፅሪ ሓዱሽ ከፋሊ ግብሪ (TIN) ምሃብ
‎• ፍቓድ ንግዲ ምውፃዕን ምሕዳስን 
‎• ንመግንሒ መኪና ዘድሊ ምርመራ ሕክምና ምግባር 
‎• መለለዪ ነባርነት ምሕዳስን ምዝገባ ልደትን 
‎• መግንሒ መኪና ምሃብን ታርጋ ተሽከርካሪ ምሕዳስ 
‎• ኣገልግሎት ፖስታ ኢትዮጵያ ክፍሊት ፈንድ መንገዲ ምስላጥ 
‎• ምዝገባ ብሄራዊ ሓበሬታን እርማት ምዝገባን 
‎• ብኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝውሃብ ኣገልግሎት ቅደመ ክፍሊት ኤሌክትሪክ ይህብ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም