ኣብ ኣወሃህባ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ባህሊ ለውጢ የድሊ- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኣወሃህባ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ባህሊ ለውጢ የድሊ- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 14/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኣወሃህባ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ባህሊ ለውጢ ከም ዘድሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
መንግስቲ ካብ ዝተለሞም ሓሙሽተ ዓምድታት ልምዓት ቴክኖሎጂ ንዓውዲ ኣገልግሎት ከም ቀንዲ መሳርሒ ብምጥቃም፣ቅልጥፍናን ተበፃሕነትን ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ብቆራፅነት እናሰርሐ ከም ዝርከብ ኣፍሊጦም፡፡
ስርዓት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ተግባራዊ ምግባር ዝተጀመረ ኣብ ቀረባ ግዘ ዋላ እንተኾነ፣ ብኣገልግሎት መሶብ ዝተርኣየ ዝልዓለ ዕግበት ዓማዊል ውፅኢታውነት እቲ ሞዴል ስራሕ ብግልፂ ኣረጋጊፁ እዩ ኢሎም፡፡
እዙይ ድማ እቲ ኣሰራርሓ ብዝበለፀ ምስፋሕ ኣድላይ ከም ዝኾነ ከም ዘመላኽት ዝገለጹ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ዝተመረቐ ኣገልግሎት ሞባይል መሶብ ኣካል ናይዚ ቀፃልነት ዘለዎ ምንቅስቓ ስራሕ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ዜጋታት ግዚኦም ብኣግባቡ ክጥቀሙን ትርጉም ዘለዎ ቁጠባ ግዘ ክረኸቡን ንምኽኣል፤ እዞም ዝተዋደዱ ኣገልግሎታት ብዝበለፀ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዘቕጽል እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊጾም፡፡