ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 14/2018 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል 54 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

1. ቀዳምነት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ክልተ ስምምዓት ደገፍን ልቓሕን ፋይናንስ እዩ ዘትዩ። እቲ ናይ መጀመሪያ ንትልሚ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ መፈፀሚ ዝውዕል ካብ ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ስምምዕ ልቓሕ 80 ሚልዮን ዩሮ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ንፕሮግራም መመሓየሺ ትሑት ቀረብ ገንዘብ ገጠር ዝውዕል ካብ ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ስምምዕ ልቓሕ 11 ሚልዮን ዩሮ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ክልቲኦም ስምምዓት ልቓሕ ምስ ፖሊሲ ምምሕዳር ልቓሕ ሃገርና ዝጠዓዓሙ ምዃኖም ብምርግጋፅ ረቀቕ ኣዋጃት መፅደቒ ስምምዓት ልቓሕ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንክለኣኹ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።



2.  ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ፋብሪካ መፍረይን መቀነባበርን ዩሪያ ማዳበሪያ ዝምልከት ስምምዕ መተባብዕን ሓለዋን ኢንቨስትመንት እዩ ዘትዩ። ቀንዲ ሽቶ እቲ ስምምዕ ኣለቃሕቲ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንዝስርሑ ፕሮጀክትታት ልቓሕ ንምሃብ ዝጥምሎም ጠንካራ ረቋሕታት ብምምላእ ዘድሊ ካፒታል ንክረኽቡ ምችው ኩነታት ምፍጣር፣ማዳበሪያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምፍራይ ድሌት ውሽጢ ሃገር ምምላእ፣ንዕድጊት መዳበሪያ ዝወፅእ ልዑል ሸርፊ ወጻኢ ምትራፍን ብእኽልታት ምግቢ ዓርስና ንምኽኣል እንገብሮ ፃዕሪ ምዕዋትን እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን እቲ ስምምዕ ኣንፈት ፖሊሲ መንግሥቲ ዝተኸተለ ከምዝኾነ ብምርግጋፅ ሚኒስቴር ገንዘብ ንክፈራረምን ናብ ስራሕ ንክኣቱን ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
3.  እቲ ቤት ምኽሪ ቀፂሉ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕንነት ሳይበር ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት እዩ ዘትዩ። ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን መሰረት ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት መንግሥቲ ኣብ ዝሕዝዎም ኢንፎርሜሽናትን ዳታታትን ዘነፃፅሩ መጥቃዕትታት ሳይበር ኣብ ኢኮኖሚ፣ማሕበራዊ፣ሰላምን ምርግጋዕን እታ ሃገር ዝፈጥርዎ ኣሉታዊ ፅልዋ ንምቕናስን ንምክልኻልን ስግኣት መሰረት ዝገበረ ምፍላይ ቁልፊ መሰረተ ልምዓት ብምግባር ሓለዋን ቁፅፅርን ድሕንነት ሳይበር ምግባር ኣድላይ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተዳሊዉ ቀሪቡ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
4.  ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ 6 ዓለም ለኸ ክልቲኣዊ ስምምዓት ዘትዩ። እቶም ናይ መጀመርያ ምስ መንግሥቲ ሪፐብሊክ ሶሻሊስት ቬትናምን ፌዴሬሽን ሩሲያን ዝተገበሩ ከም ቅደ ም ሰዓቦም ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት ወይ ድማ ፓስፖርት ኣገልግሎት ንዝሓዙ ሰባት ስምምዕ ምተራፍ ቪዛን ስምምዕ ምጥያሽ ሓባራዊ ማእኸል ባዮሎጂ ምርምርን እዮም። እቶም ስምምዓት ምስተን ሃገራት ዘለዋ ክልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻርን ኣብ ሳይንሳዊ ምርምርን መፅናዕትን እጽገብሮ ምንቅስቓስ ንምድጋፍን ነንክኽእሉ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ ምስ ንጉሠ ነገሥት መንግሥቲ ኢስዋቲኒ፣መንግስጢ ሪፐብሊክ ኣንጎላ፣መንግስጢ ህዝባዊ ሪፐብሊክ ባንግላዴሽን መንግሥቲ ሪፐብሊክ ሴራሊዮንን ኣብ ዝተገበሩ 4 ስምምዓት ኣገልግሎት ኣየር ዘትዩ።  እቶም ስምምዓት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዋና ከተማታት እተን ሃገራት ብ3ይን 4ይን መሰል ትራፊክ በረራ መንገደኛታትን ፅዕነትን ንምግባር፣ተወካሊ እቶም መንገዲ ኣየራት ብሽርክን ንምስራሕ፣ብ5ይ መሰል ትራፊክ ናብ ዝተመረፁ መባፅሕታት በረራ ንምግባር ዘኽእሉን ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ዘለዋ ክልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻር፣ነቲ መንገዲ ኣየር ተወሳኺ ዕድል ዕዳጋ ንምፍጣር፣ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምትብባዕ፣ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብን ቱሪዝምን ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎም ስለዝኾኑ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቶም ጉዳያት ድሕሪ ምዝታዩ እቶም መፅደቒ ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
5.  ኣብ መዳእታ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ደንቢ መጣየሺ ኣገልግሎት ሓደጋ ሓውን ካልኦት ሃንደበታዊ ሓደጋታትን ኢትዮጵያ ዘትዩ። እቲ ኣገልግሎት ሓደጋ ሓውን ካልኦት ሃንደበታዊ ሓደጋታትን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ትካላዊ ኣወዳድባ ብምፍጣር ዘጋጥሙ ሓደጋታት ዝኸፍአ ሰብኣውን ንዋታውን ጉድኣት ከየብፅሑ ንምቁፅፃር፣ስራሕቲ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ንሓደጋ ሓውን ካልኦት ሃንደበታዊ ሓደጋታትን ዘለዎም ተቓላዕነት ብምፍታሽ ስግኣት እንተሃልዩ ህንፅ ዓቕሚ ምላሽ እንተዘይሃልዩ ድማ ኣገልግሎት ምኽሪ ንምሃብ ንክኽእል እቲ ደንቢ ተዳሊዉ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ እዩ።  እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብ ረቂቕ ደንቢ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ፌዴራል ተሓቲሙ ካብ ዝወፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
14 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም
ኣዲስ ኣበ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም