መንግስቲ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምምሕያሽ ብሄራዊ ረብሓን ሓበራዊ ተረኽን ንምህናፅ ዘኽእል ዕድል ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምምሕያሽ ብሄራዊ ረብሓን ሓበራዊ ተረኽን ንምህናፅ ዘኽእል ዕድል ፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 14/2018(ኢዜኣ) ፦ መንግስቲ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምምሕያሽ ብሄራዊ ረብሓን ሓበራዊ ተረኽን ንምህናፅ ዘኽእል ዕድል ከም ዝፈጠረ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ገሊፀን፡።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ማሕበረሰብን ክልልን ዝገበሮ ክትትልን ግምገማን ዝርገሐን ትሕዝቶን ውፅኢቱ ዕላዊ ዝገብር መርሃ ግብሪ ኣዳልዩ።
ኣብቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገርን ቀረፃ ኣመለኻኽታ ሕብረተሰብን ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ፤ ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ደሕንነትን ከምኡ እውን ኣካቢ ቦርድ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ኣይተ እውነቴ ኣለነን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽን ተረኺቦም፡፡
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ህንፀት ሃገርን ቀረፃ ኣመለኻኽታ ማሕበረሰብን ወሳኒ ግደ ኣለዎም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ብምሃብ ብሄራዊ ረብሓ ምኽባርን ሓበራዊ ተረኽ ምህናፅን ከም ዘኽእሉ ብምግላፅ፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ተበፃሕነት ሓበሬታ ንምዕባይ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ከም ዝወፀ ኣዘኻኺረን፡።
በዚ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዓይነት፣ ፅሬት፣ብዝሒ ቋንቋን ስፍሓት ዝርገሐኦምን እናዓበዩ ከም ዝመፁ ገሊፀን።
ብቕዓት ዘለዎም ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ንብልጽግና ሃገርን ኩለመደያዊ ዕብየትን ወሰንቲ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ሓበራዊ ተረኽ ብምህናፅ ኣብ ህንፀት ሃገር ግደኦም ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ገይረን፡፡