ኢትዮጵያ ናብ ዝምጥና ብራኸ ብልጽግና ንምብፃሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘመነ ድሕረ ሓቂ ዝሓቶ መስተውዓላይነትን ስኽነትን ክላበሱ ኣለዎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ናብ ዝምጥና ብራኸ ብልጽግና ንምብፃሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘመነ ድሕረ ሓቂ ዝሓቶ መስተውዓላይነትን ስኽነትን ክላበሱ ኣለዎም
ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 14/2018 (ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵ ናብ ዝምጥና ብራኸ ብልጽግና ንምብፃሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘመነ ድሕረ ሓቂ ዝሓቶ መስተውዓላይነትን ስኽነትን ክላበሱ ከም ዘለዎም ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ደሕንነትን ከምኡ እውን ኣካቢ ቦርድ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ገሊፆም፡፡
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ማሕበረሰብን ክልልን ዝገበሮ ክትትልን ግምገማን ዝርገሐን ትሕዝቶን ውፅኢቱ ዕላዊ ዝገብር መርሃ ግብሪ ኣዳልዩ።
ኣብቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገርን ቀረፃ ኣመለኻኽታ ሕብረተሰብን ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ፤ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ኣይተ እውነቴ ኣለነ፤ ሓለፍቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ክልላትን ተወከልቲ ማሕበረሰብ መራኸብቲ ሓፋሽን ተረኺቦም፡፡
ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጰ ዕላማ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዙሑነት ንምጉላህ፣ ተስፋ ማሕበረሰብ ንምርኣይን ንጠንካራ ህንፀት ሃገረ መንግስትን እጃሞም ክዋጽኡ ኣለዎም፡፡
ንጠንካራ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሑነት ኣጉሊህኻ ብምርኣይ ቋንቋ፣ ባህልን ክብርታትን ማሕበረሰበር ክዓቢ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ብዙሕ መንነትን ሕብርን ከም ዘለዋ ምርዳእ ከም ዘድሊ እውን ገሊፆም፡፡
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ናብ ዝምጥና ብራኸ ብልጽግና ንምብፃሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘመነ ድሕረ ሓቂ ዝሓቶ መስተውዓላይነትን ስኽነትን ክላበሱ ኣለዎም ኢሎም፡፡
ዘመነ ድሕረ ሓቂ ሓሶት፣ ዕዳጋ ብኽያትን ሕማቕ ትምኒትን ዝቆፃጸሮ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ እዙይ ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ኢትዮጵያ ክትዕንብብ ዝገብር ስራሕ ካብ ኩሎም ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ትፅቢት ከም ዝግበር ብምግላፅ፣ ጉድለታት ክእረሙ ሓቂ ድማ ክወጽእ ክገብሩ ከም ዘለም ኣመላኺቶም፡፡
ነዙይ ድማ ውስንነነት ሃፍትን ክእለትን ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ንምምላእ ብሓባር ምስራሕን ምሕጋዝን ከም ዘድሊ ገሊፆም፡፡