ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ንንግድን ኢንቨስትመንትን ተመራፂት ሃገር ገይሮማ እዮም-ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 14/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ንምሕዝነት ንግድን ኢንቨስትመንትን እትምረፅ ሃገር ንክትኸውን ከምዘኽኣልዋ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ግምገማ 100 መዓልትታትን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕን ዘቕረባ ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ንኢትዮጵያ ጎብንዮም እዮም ኢለን።



ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ንንግድን ኢንቨስትመንትን እትምረፅ ከምኡ እውን ናይ ምውድዳር ዓቕማ ገሊሁ ዝረኣየላ ሃገር ከምዝኾነት ሓቢረን።
እቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታት ልምዓት ናይ ምግባር ዓቕሚ ብምርኣይ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ምስሊ ርክብ ዝቐየሩ እዮም ኢለን።
ኢትዮጵያ ብትኽተሎ ፖሊሲን ሓምለዋይ ኣሰርን ሓዊሱ ኣብ ዙርያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብተግባር ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ብብርኪ ኣፍሪካን ዓለምን ዘርኣየቶ እጃም መሪሕነት መርኣያ ሃገር ከምዝገበራ እውን ኣረዲአን።
ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር (COP 32 )ንክተተኣናግድ ምምራፃ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም