ሓለዋን ልምዓትን ሓድጊ ንዕቤት ኢኮኖሚ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ እናዓበየ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 13/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ንስራሕ ሓለዋን ልምዓትን ሓድጊ ብዝተውሃበ ፍሉይ ትኹረት እቲ ዓውዲ ንዕቤት ሃገራዊ ኢኮኖሚ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ከምዝዓበየ ሚኒስትር ዲኤታ ቱሪዝም እንደገና ኣበበ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 3ይ ጉባኤ ምርምር ሓድጊ “ምርምር ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ዲጂታል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምክያድ ጀሚሩ።



እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ንስራሕ ሓለዋን ልምዓትን ሓድጊ ፍሉይ ትኹረት ስለዝሃቦ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም።
ሓድግታት ሸርፊ ወፃኡ ኣብ ምርካብ፣ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ከምኡ እውን ንኣርኪዎሎጂስትታትን ተመራመርቲ ታሪኽን ፍልፍል ታሪኽ ኮይኖም እናገልገሉ ከምዝርከቡ ኣብራህሪሆም።
ሓድግታት ተሓልዮም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንክሰጋገሩ ንምግባር፣ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ሓድጊ ንምምዕባል ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ስራሕ ሓለዋን ልምዓትን ሓድጊ ዲጂታላይዝ እናተገበረ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣበባው ኣያሌው (ረ/ፕ) እዮም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ልምዓት ዓውዲ ሓድጊ ዘለዉ ፈተናታት መርሚሩ መፍትሒ ንምሃብን ሓደሽቲ ፍልጠታት ንምልውዋጥን ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም