ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ባንግላዲሽ ክሃሊሉር ራህማን ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ባንግላዲሽ ክሃሊሉር ራህማን ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 13/2018(ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ባንግላዲሽ ክሃሊሉር ራህማን ዘትዮም።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዳይሬክተር ጄኔራል ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ፣ኤዥያን ፓስፊክን ኣምባሳደር ደዋኖ ከድር ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኢትዮጵያን ባንግላዲሽን ጠንካራ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት እየን ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ባንግላዲሽ ክሃሊሉር ራህማን ዝገበርዎ ዘተ እውን ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን እተን ሃገራት ንምጥንኻር ርኡይ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዘተ እውን ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኢትዮጵያን ባንግላዲሽን ጠንካራ ጠንካራ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣልዒሎም እዮም ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ብምጥንኻር ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ፣ንግድን ኢንቨስትመንትን ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ምርግጋፆም እውን ፀሪሖም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ባንግላዲሽ ክሃሊሉር ራህማን ብግደኦም፤ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን እተን ሃገራት ብዝለዓለ ኩነታት ዕቤት እናመዝገበ ከምዝኾነ ምግላፆም ሓቢሮም።
ሃገሮም እውን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፅ ምዃና ምግላፆም ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ክልቲኣውን ኩለ መዳያውን ምትሕብባር ኢትዮ-ባንግላዲሽ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር ጠንኪሮም ከምዝሰርሑ ምርግጋፆም ገሊፆም።