ሕብረት ኣውሮፓ እሙን መሓዛ ኢትዮጵያ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣውሮፓ እሙን መሓዛ ኢትዮጵያ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 13/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣውሮፓ እሙን መሓዛ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ሲከላ ዘትዮም።
ኣብ ዘተኦም እውን፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ዘበናት ዝተሳገረ ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘትዮም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሕብረት ኣውሮፓ እሙን መሓዛ ኢትዮጵያ እዩ።
እቲ ሕብረት ልምዓት ሓምለዋይ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምድጋፍ ንዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኢንቨስትመንትታት ሕብረት ኣውሮፓ ዕድላት ልምዓት ኢትዮጵያ ብምጥቃም ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሓባራዊ ተረባሕነትን መናእሰይ ሃናፂ እጃም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘተኣማምንን ተኣማንነት ዘለዎን ምሕዝነት ሓባራዊ ዕቤት ብዘቐፅል መልክዑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ተገማትን እምነት ዝግበረሉን ምሕዝነት ንምጥንኻር ብቆራፅነት እትሰርሕ ሃገር ከምዝኾነት እውን ኣረዲኦም።
ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ሲከላ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ዕቤት እናሃነፃ ካብ ዘለዋ ውሑዳት ሃገራት ዓለም እታ ሓንቲ እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንምርግጋዕ ምብራቕ ኣፍሪካን እቲ ኣህጉርን ኣዝያ ኣድላይ ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረት ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ልምዓት ዘለዎ ምሕዝነት እናጠናኸረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
እቲ ሕብረት ኣብ ቀፃሊ እውን ንልምዓት ኢትዮጵያ ዝውዕል ደገፍ ገንዘብ ንምቕራብ ከምዝወሰነ ብምርግጋፅ፤ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ንኣውሮፓ ኣድላይ ስለዝኾነ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።