ዓወታት ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ንኣፍሪካውያን 'ንሕና እውን ንኽእል ኢና' ዝብል ምልዕዓል ዝፈጥሩ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 13/2018(ኢዜኣ)፦ ዓወታት መሰረተ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ንኣፍሪካውያን 'ንሕና እውን ንኽእል ኢና' ዝብል ምልዕዓል ዝፈጥሩን ዘኹርዑን እዮም ክብሉ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ገሊፆም፡፡ 
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተርኣዩ ዓበይቲ ለውጥታት ማእኸልነት ዲፕሎማስን ንግድን እታ ከተማ ናብ ዝልዓለ ብርኪ ዘሰጋገሩ እዮም፡፡ 
ኣብ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት፣ ልምዓት ሩባታት፣ስግግር ዓውዲ ኣገልግሎትን ካልኦትን ዝተረኸቡ ዓወታት ብኣርኣያነት ዝፅርሑ እዮም፡፡ 
መበል 15 ኣህጉራዊ ጉባኤ ኮሚቴ ቴክኒክ ሴክሪቴሪያት ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ ግዘ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ እዩ፡፡ 
ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተወፃፅኡ ሰብ ሙያ ንኢዜኣ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣዲስ ኣበባ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ፣ማዕኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ምዃና ብተግባር ክተርኢ ክኢላ እያ፡፡ 



ብተወሳኺ እውን ኣዲስ ኣበባ ንዝተፈላለዩ ትካላት ዓለም ለኸን ኣጀንዳታት ልምዓትን ምቹው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዘርኣየቶ ብቕዓት ዘስደምም ከም ዝኾነ ገሊጾም፡፡ 
ንነበርቲ እታ ከተማን ንዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዝምጥን ሓምለዋይ ልምዓት፣ ዘመናዊ ፅባቐ ከምኡ እውን ዘመናዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ  ዝተሳለጡ ስራሕትን ዝተመዝገቡ ለውጥታትን ዘደንቑ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም