ዓቕሚ ግዙፍ ኢንቨስትመንት ግብርና ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት እናዕበዮ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓቕሚ ግዙፍ ኢንቨስትመንት ግብርና ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት እናዕበዮ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 13/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ግብርና ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ተወዳዳሪነት እናዕበዮ ከምዝኾነ ኣብ ኢንቨስትመንት ግብርና ኢትዮጵያ ዝተዋፈሩ ህንዳዊ በዓል ሃፍቲ ጋጀንድራ ሲንገህ ማንፑራ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና ተግባራዊ ዝገበረቶም ስራሕቲ ሪፎርም ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ።
ኣብ ኢንቨስትመንት ግብርና እውን ንሰብ ሃፍቲ ዘተባብዕ ምችው ኩነታት ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዕቑር ሃፍቲ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ናይ ምስሓብ ዓቕሙ ልዑል እዩ።
ህንዳዊ በዓል ሃፍቲ ጋጀንድራ ሲንገህ ማንፑራ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ታንዛኒያ፣ኬኒያ፣ዛምቢያን ካልኦት ሃገራትን ዑደት ዳህሳስ ኢንቨስትመንት ከምዝገበሩ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት እውን እታ ሃገር ንኢንቨስትመንት ግብርና ተመራፂት ብምግባር ኣብ ልምዓት ዓውዲ ኣትክልትን ፍራ ምረን ተዋፊሮም እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም።
ዓቕሚ ግዙፍ ኢንቨስትመንት ግብርና ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት እናዕበዮ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።