እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ መመሓየሺ ሴኩዩሪቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ መመሓየሺ ሴኩዩሪቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 13/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 15 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣዋጅ ሴኩዩሪቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅዲቑ።
እቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ንዝፀንሐ ኣዋጅ ዝትክእ እንትኸውን፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተርኣዩ ሓደሽቲ ስግኣታት ድሕንነትን ለውጥታት ቴክኖሎጅን ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ ቤት ምኽሪ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈቲህ መሀዲ (ዶ/ር) ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም።
ኣብ ገለፅኦም እውን፤ እቲ ነባር ኣዋጅ ልዕሊ 20 ዓመታት ዘገልገለ ስለዝኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ዝረኣዩ ዝተሓላለኹ ስግኣታት ድሕንነት ንምክልኻል ዘለዎ ዓቕሚ ውሱን ከምዝነበረ ሓቢሮም።
እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ድሕንነት እቲ ኣቪዬሽን ንምሕላው ዝተፈላለዩ ረብሓታት ከምዘለውዎ ብምግላፅ፤ እቲ ዘበን ዘምፅኦምን ካብ እዋን ናብ እዋን እናተሓላለኹ ዝመፁን ስግኣታት ብብቕዓት ምክልኻል ዘኽእል ጠንካራ ማዕቐፍ ሕጊ ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።
ስራሕቲ ቁፅፅርን ፍተሻን ድሕንነት ኣቪዬሽን ብዝበለፀ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፉ፣ቅልጡፍን ዘተኣማምን ንክኾኑ ከምዘኽእል ብምሕባር፤ ኣሰራርሓ ሴኩዩሪቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ምስ መለክዕታትን ረቛሕታትን ዓለም ለኸ ትካል ኣቪዬሽን ዝተጠዓዓመ ንክኸውን ከምዝገብሮ እውን ኣረዲኦም።
ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምግባሮም እቲ ኣዋጅ ብሄራዊ ድሕንነትን ኢኮኖሚያዊ ረብሓን እታ ሃገር ኣብ ምርግጋፅ ዘለዎ ፋይዳ ንኢዶም።
እቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረበሉ ሓሳብ ውሳነ መርሚሩ እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ መመሓየሺ ሴኩዩሪቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።