ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዝህልዎም ግደ ንምዕባይ ዘኽእሉ ተግባራት ተሳሊጦም- ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዝህልዎም ግደ ንምዕባይ ዘኽእሉ ተግባራት ተሳሊጦም- ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
ሃዋሳ፤ ሚያዝያ 13/2018 (ኢዜኣ) ፦ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዝህልዎም ግደ ንምዕባይ ዘኽእሉ ተግባራት ከም ዝተሳለጡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኢትዮጵያ “ናብ ጣብያ ምብፃሕ” ብዝብል ቴማ መበል ካልኣይ ሃገር ለኸ መድረኽ ጎስጓስ ሪፎርም ሕብረት ስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እናካየደ ይርከብ፡፡
ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ዝገበሩ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፤ ካብ ተበታቲንካ ዝግበሩ ፃዕርታት ብዝተደመረ ዓቕሚ ዝግበሩ ተግባራት ንዕብየት ሃገር ወሳኒ ከም ዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኣብ ዓመታት እቲ ለውጢ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣብ ዕብየት ሃገርን ዕብየት ምጣነ ሃፍትን ዝልዓለ ግደኦም ክዋፅኡ ብዙሓት ተግባራት ከም ዝተሳለጡን በዙይ እውን ውፅኢት ከም ዝተመዝገበን ተዛሪቦም፡፡
ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሪፎርም ኣተሓሳስባ፣ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን እንተገይሮም ዝለሰዓለ ለውጢ ከምፅኡ ከም ዝኽእሉ ኣመላኺቶም፡፡
ስለዝኾነ ብቐፃሊ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዝህልዎም ግደ ንምዕባይ ዘኽእሉ ተግባራት ተጠናኺሮም ከም ዝቐፅሉ ሓቢሮም፡፡
ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ዕብየትን ምንስርራእን ኢትዮጵያ ንምቕጻል ወሰንቲ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ቀፃልነት ክህልዎም ተመሳሳሊ ጎስጓስ ከም ዘድሊ ገሊፆም፡፡
ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ሺሰማ ገብረስላሴ ብወገኖም፤ ዓቕሚ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ብምዕባይ ንጉዕዞ ሃገራዊ ብልጽግና ዝህልዎም ኣበርክቶ ንምጥንኸር እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፡፡
ስለዝኾነ ድማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማታት ሃዋሳ፣ ኣዳማ፣ጅማ፣ ጅግጅጋ፣ ኣሶሳን ኮምቦልቻን ተመሳሰልቲ መድረኻት እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ ቀፃልነት ከም ዝህልዎ እውን ኣመላኺቶም፡፡