መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝተጣየሽሉ ሕጊ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎም - ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /10/2018 (ኢዜኣ)፦መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝተጣየሽሉ ሕጊ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባር ግዴታ ከም ዘለዎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም፡፡
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝገበሮ ክትትልን ግምገማን ዝርገሐን ትሕዝቶም ውፅኢቱ ዕላዊ ዝገብር መርሃ ግብሪ ኣዳልዩ።
ኣብቲ "መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ንሰላምን ሓድነትን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ፤ ምስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖትዘተ ተኻይዱ፡፡



ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብዚ እዋን፤ ዝበዝሕ ግዘ መራኸብቲ ሓፋሽ  ትካላት ሃይማኖት ኣብ መትከል ዝተደረኸ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶታት ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም፡፡
ይኹን እምበር ሰናይ ስራሕ ኣብ ዝሰርሑ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ማእኸል ዝርከቡ ውሑዳት እኩይ ዕላማ ዘለዎም መራኸብቲ ሓፋሽ  ናይ ካልኦት ሰናይ ስራሕ ከም ዘበላሽው ገሊፆም፡፡
መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝተጣየሽሉ ሕጊ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ሕጊ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባር ግዴታ ከም ዘለዎም እውን  ኣገንዚቦም፡፡
ትካላት እምነት ዶብ ተሳገርቲ ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ ኮይኑ ግና ሃገር ዶብን ሉኣላውነትን ከም ዘለዋ ገሊፆም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያን ወፃእን ዝርከቡ ተመሳሳሊ እምነት ዝኽተሉ ሰባት ዝሕተቱ ብናይ ባዕሎም ሃገር ሕጊ ከም ዝኾነ እውን ኣመላኺቶም፡።
ስለዝኾነ ሕጊ ይመሓየሸለይ ኢልካ ምሕታት ይክኣል እዩ፤ ካብ ሕጊ ወፃኢ ምንቅስቓስ ግና ኣግባብ ከም ዘይኮነ ኣረዲኦም፡፡
መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ሓበራዊ ክብርታት ህዝቢ ንምጉልባት ዘለዎም ሃናፂ ግደ እንትዋፅኡ ካልኦት ፀገማት እውን ከም ዝፈትሑ ተዛሪቦም፡፡ 
መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ሕብረት ብምፍጣር ዝተወደበ ሕቶ ምቅራብ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፤ መንግስቲ ንምስረታ እቲ ሕብረት ኣድላይ ሓገዝ ከም ዝገብር ገሊፆም፡፡
ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንምቕፃል ግደ ትካላት ሃይማኖት ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፡፡



ብመሰረት ድንጋገ  ሕገ መንግስቲ፤ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት፣ ሃይማኖት ኣብ ጉዳይ መንግስቲ ኢዱ ከም ዘይእቱ ብምግላፅ፤ እዚ ናፅነት ንምዕቃብ ብሓላፍነት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ምህላዎም ፀጋ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ንሓድነት ህዝብን ህንፀት ሰላምን ዝልዓለ ግደ ከም ዝፃወቱ እውን ገሊፆም፡፡
መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ፀጋ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ዝሰርሕዎ ስሕተት ንዘመናት ዝፀንሕ ገመድ ሓድነት ህዝብታት ዝበትኸ እዩ ኢሎም፡፡
ስለዝኾነ መንግስቲ ሰላምን ፀጥታን ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓለፍነት ስለዘለዎ ካብ ዓውዲ እንትወፁ ሕጊ ከም ዘኽብር ገሊፆም፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ከም ዝገለፅዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ካብ ሃይማኖት ብተወሳኺ ማሕበራዊ ክብርታት ከንፀባርቑ ይግባእ፡፡



ኩሎም ትካላት ሃይማኖት ኣብ  ሰላም፣ ድሕንነትን ህልውናን ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ክህልዎም ከም ዘይግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ሃይማኖታት ሰላምን ምክእኣልን ክሰብኩ ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ ምስ ህንፀት ሕብረተሰባዊ ክብርታት ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡ 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም