መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ንሰላምን ሓድነትን ብሓላፍነት መንፈስ ክሰርሑ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/ 10/2018 (ኢዜኣ)፦ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ሰዓብቶም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ካብ ምስራፅ ብተወሳኺ ንሰላምን ሓድነትን ሃገር ብሓላፍነት መንፈስ ክሰርሑ ከም ዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ገሊፀን።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝገበሮ ክትትልን ግምገማን ዝርገሐን ትሕዝቶን ውፅኢቱ ዕላዊ ዝገብር መርሃ ግብሪ ኣዳልዩ።
ኣብቲ "መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ንሰላምን ሓድነትን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ማሕበራዊ ጉዳያት ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፣ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ ኢድሪስ፣ ሚኒስትር ድኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ተስፋሁን ጎበዛይን ተወከልቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖትን ተረኺቦም እዮም፡፡ 



ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ንሕብረተሰብን ሰዓብቶምን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ፍቕሪ፣ሰላም፣ ልምዓትን ሓበራዊ ክብርታትን ኣብ ምስራፅ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኣለዎም፡፡ 
ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብዝነበሩ ሕግታት መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት መራኸብቲ ሓፋሽ ከየጣይሹ፣ ሕጋዊ ኣፍልጦን ፈቓድን ከይረኽቡ ተኸልኪሎም ከም ዝፀንሑ ኣዘኻኺረን፡፡
ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ  ፖሊሲን ኣዋጅን መራኸብቲ ሓፋሽ ክመሓየሽ ብምግባር መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት  ብሕጊ ኣፍልጦ ክረኽቡን ፍቓድ ብሮድካስት ረኺቦም ክንቀሳቐሱን ብምግባር ምቹው ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ኢለን፡፡ 
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ኩሎም ትካላት ሃይማኖት ብምውዳድ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት  ብሕጊ ብዝተውሃቦም ኣፍልጦ መሰረት ፍቓድ ኣውፂኦም ክሰርሑ ኣድላይ ዝኾነ ክትትልን ሓገዝን እናገበረ ከም ዝፀንሐ ገሊፀን፡፡ 
ልዕሊ 51 ዝኾኑ ጣብያታት ቴሌቬዥን ትካላት ሃይማኖት ፍቓድ ብምርካብ ኣብ ፈነወ ከም ዝርከቡ ብምግላጽ፤ ብኣማራፂታት ዲጂታልን ማሕበራዊ ሚዲያን ሃይማኖታዊ መልእኽትታቶም ንሰዓብቶም ከም ዘቕርቡ ተዛሪበን፡፡ 
ይኹን እምበር ውሑዳት ዘይብሃሉ ሕጊ ዝጥሕሱ፣ ሃይማኖታዊ ክብርታ ዝሽርሽሩ፣ ክብርን ባህልን ሕብረተሰብ ዘይውክሉ ሓላፍነት ዝጎደሎም ትሕዝቶታት ዘመሓላልፉ ከም ዘለዉ ኣመላኺተን፡፡  
መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ሕግታት ሃገርን ሃይማኖታዊ ክብርታትን ኣኽቢሮም ንክንቀሳቐሱ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም