ምዕባለ ልምዓት እታ ርእሰ ከተማ ምስሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምጉላህ ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበረ እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /10/2018 (ኢዜኣ)፡- ምዕባለ ልምዓት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሽምን ምስልን ኢትዮጵያ ኣብ ምጉላህ ዝልዓለ ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ 
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ሜዳ ኣርባ ስድስት ዝተብሃለ ስፍራ ስፖርት መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን፡፡ 



እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን፤ መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ ፈተውቲ ስፖርት ከም ዝኾኑ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብፅኑዕ ከም ዝኣምን ገሊፀን፡፡ 
ስለዝኾነ መናእሰይ ደረጃኦም ዝሓለዉ ስፍራታት ስፖርት ክረኽቡ ንምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መሰረተ ልምዓት ስፖርት እናተሃነፁ ከም ዝኾኑ ሓቢረን፡፡ 



ኣብታ ከተማ ዝህነፁ ስፍራታት ስፖርት መናእሰይ ብኣካልን ኣእምሮን  ዝጎልቦቱ ንምግባር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ኣመላኺተን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም