ዘላቒ ምምሕዳር ዕዳ ስትራቴጂካዊ ትኹረት እቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ እዩ-ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/ 9/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ዘላቒ ምምሕዳር ዕዳ ኣካል እቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ብምግባር እናሰርሐት ከም ትርከብ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ዓመታዊ ኣኼባ እዋን ፅድያ ባንኪ ዓለምን ትካል  ዓለም ለኸ ገንዘብ (አይኤምኤፍ)ን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ምስላጥ ቀፂሉ ኣሎ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ጎና ንጎኒ እቲ ኣኼባ ዓለም ለኸ ዕዳ መንግስታት (Global Sovereign Debt) ኣብ ዝምልከት ኣኼባ ተሳቲፎም፡፡ 
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ፣ ኣብ ሞንጎ ውሽጢ ዕዳ ዘለዋ ሃገራት፣ ክልትኣዊ ኣለቃሕቲ መንግስታት፣ ኣለቃሕቲ ውልቀን ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስን ሃናፅን ኩለመደያውን ዘተ ክህሉ እቲ መድረኽ ዝፃወቶ ግደ ልዑል ምዃኑ ኣመልኪታ፡፡ 



ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ ጉጅለ 20 (G20) ብምዃን እናሳለጠቶ ትርከብ ምሽግሻግ ዕዳ (debt restructuring) እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡ 
ከይዲ እቲ ድርድር ምስ መዳርግቲ ዘሎ ጠንካራ ምትሕብባር ዘንፀባርቕ ካብ ምዃ ብተወሳኺ መንግስቲ ዘላቕነት ዕዳ ንምርግጋፅን ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምዕሳልን ዘለዎ ቆራፅነት ዘመላኽት ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡  
እቶም ሚኒስትር ኣብ መብሪሂኦም፤ ስምምዕነት እቲ ሽግሽግ ዕዳ ሽቶኡ ክወቅዕ ምውዳድን ቕልጡፍ ምላሽ መዳርግቲ ኣካላትን ኣድላይ ከም ዝኾነ ኣተሓሳሲቦም፡፡ 
ስራሕቲ እቲ ሪፎርም ንምቕጻልን ንምርግጋፅ ምጠነ ሃፍትን፣ ካብ ኣለቃሕትን ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስን ትፅቢት ዝግበረሉ ሃናፂ ተሳትፎን ሓገዝን ተጠናኺሩ ክቕጽል ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣመሓላሊፋ፡፡ 
ኢትዮጵያ ንዘላቒ ምምሕዳር ዕዳ ኣካል እቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ብምግባር እናሰርሐት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤  እዙይ ድማ ኣብ ፊስካል ዲስፕሊን፣ ኣተኣኻኽባ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ሓቛፊ ዕብየትን ትኹረት ከም ዝገብር ገሊፃ፡፡ 
መንግስቲ ስልታዊ ምምሕዳር ዕዳ ብምኽታል፤ ካብ ዕድላት ምሽግሻግ ዕዳ  ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ንሽቶ ልምዓትን ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ደጊሞም ገሊፆም፡፡ 
ኢትዮጰያ ኣብቲ ዘተ ምስታፋ ኣብ ርክብ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ዘለዋ ንቑሕ ተሳትፎን ተቓላዕነት ዕዳ  ንምፍታሕ ምስ ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላት ዘለዋ ቁሩብነት ዘመላኽት ከም ዝኾነ ሚኒስትር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም