ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ዓለም ለኻዊ ፋይናንስ ልምዓት ኣሜሪካን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምሕያል ቆራፅነቶም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/ 9/2018 (ኢዜኣ)፦ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ዓለም ለኻዊ ፋይናንስ ልምዓት ኣሜሪካን  ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምሕያል ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም፡፡ 
ዓመታዊ እኼባ እዋን ፅድያ  ባንኪ ዓለምን  ትካል  ዓለም ለኸ ገንዘብ (አይኤምኤፍ)ን  ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ኮርፖሬሽን ዓለም ለኻዊ ፋይናንስ ልምዓት ኣሜሪካ ቤን ብላክ ዝለዓለ ብርኪ ዘተ ገይሮም፡፡ 
እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ዓለም ለኻዊ ፋይናንስ ልምዓት ኣሜሪካን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ዝዓለመ ኮይኑ፤ ብፍላይ ከም ትራንስፖርትን መዓድንን ዝበሉ ቀዳምነት  ዝውሃቦም ዓውድታት ምትሕብባር ኣብ ምስፋሕ ልውውጥ ሓሳብ ገይሮም፡፡ 



ክልቲኦም ወገናት ዘለቕን ሓቋፍን ዕብየት ንምቅልጣፍ ፋይናንስ ልምዓት ዘለዎ ወሳኒ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው ምትሕብባር ኢኮኖምን ንግድን ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታት እውን መኺሮም፡፡ 
እቶም ሚኒስትር  ኢትዮጵያ እናሳለጠቶ ትርከብ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚን ምህዳር ኢንቨስትመንትን ንምስፋሕ ዝገበረቶም ፃዕርታት ብዝምልከት ኣብሪሆም፡፡ 
መንግስቲ ንቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዘለዎ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም፡፡ 
ኮርፖሬሽን ዓለም ለኻዊ ፋይናንስ ልምዓት ኣሜሪካ(DFC) ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብፍላይ ድማ ኣብ መሰረተ ልምዓትን ስትራቴጂካዊ ዓውድታትን ዘለዎ ተሳትፎ ንምዕባይ ዘለዎ ድልየት ደጊሙ ገሊፁ፡፡  
ክልቲኦም ወገናት ዕድላት ፋይናንስ ንምጥቃምን ሓበራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፁ ውፅኢታት ንምምፃእን  ቀፃሊ ኣድላይነት ምትሕብባር ትኹረት ሂቦምሉ እዮም፡። 
ክልቲኦም ወገናት ምትሕብባሮም ንምጥንኻርን ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ዝወሃቦም ኢንሼቲቭ ኢንቨስትመንት ንምስላጥን ዘለዎም ሓበራዊ ቆራፅነት ምግላፃም ሚኒስቴር ገንዘብ ንኤዜኣ ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣመላኺቱ፡፡ 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም