ኢትዮጵያ ንኮፕ 32 ብሄራዊ ኮሚቴ ኣጣይሻ ስራሕቲ ምድላው እናሳለጠት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንኮፕ 32 ብሄራዊ ኮሚቴ ኣጣይሻ ስራሕቲ ምድላው እናሳለጠት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 9/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንኮፕ 32 ብሄራዊ ኮሚቴ ኣጣይሻ ስራሕቲ ምድላው እናሳለጠት ከምዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኣዳላዊት ኮፕ 32 ከም ምዃና መጠን ብሄራዊ ኮሚቴ ብምጥያሽ ምድላዋታ ቅድም ኢላ ጀሚራ እያ ኢሎም።
እዚ ከይዲ ብግልፂ ሽቶን ብዝለዓለ ምልከታን ንምምራሕ ቀልፊ ኣመራርሓ መዲብና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ነዚ ስዒቡ መሓውር ፕሬዚዳንት ኮፕ ዝተዋደደን ዝለዓለ ውፅኢትን ዘምፅኡ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋቱ ከምዝጀመረ ኣመላኺቶም።
ሎሚ ምስቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝነበረና ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ክሳብ ሕዚ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ብምግምጋም ክፍተታት ምፍላይን ኩሎም ፃዕርታትና ምስ ሃገራዊ ራኢና ዝተጠዓዓሙ ምዃኖምን ተዳህሲሶም እዮም ክብሉ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ ካብ ግምገማ ብዝዘለለ ሓባራዊ ቀፃሊ ኣንፈት ኣቐሚጥና ኢና ኢሎም።
ትኹረትና ግልፂ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብጠንካራ ምትሕብባር፣ብዝተወሃሃደ ዓብይ ራእን ሓባራዊ ፅኑዕ ትግሃትን ተናቢብና እዚ ዓለም ለኸ ፍፃመ ብልህቀት ብምትእንጋድ ልዕልና ሃገር ዳግማይ ክነርኢ እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።