ኢትዮጵያ ንተለዋዋጢ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ዘይስዓር ስርዓት ምግቢ እናሃነፀት እያ- ሚኒስትር ኣዲሱ ኣረጋ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንተለዋዋጢ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ዘይስዓር ስርዓት ምግቢ እናሃነፀት እያ- ሚኒስትር ኣዲሱ ኣረጋ
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 9/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምልማዕ ንተለዋዋጢ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ዘይስዓር ስርዓት ምግቢ እናሃነፀት ከም ዝኾነት ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ተግባራዊ ብዝገበሮ ፖሊሲ ብዝሃ ዘፈር ኢኮኖሚ ንዓውዲ ሕርሻ ፍሉይ ትኹረት ብምሃቡ እቲ ዓውዲ ዘስደምም ዕብየት ፍርያትን መዋቕራዊ ስግግርን እናመዝገበ እዩ፡፡
ብፍላይ ብመዳይ ስርናይ ሓጋይን መስኖ ልምዓትን ብስፍሓት ዝተሳለጡ ተግባራት ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳሚት ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ክትኸውን ዘኽኣላ እንትኸውን፤ እዙይ ድማ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ንዝግበር ፃዕሪ ኣቀላጢፉ እዩ፡፡
እቲ ዓወት እታ ሃገራ ኣብ መድረኽ ዓለም ለኸ ዘለዋ ምስሊ ካብ ምቕያር ብተወሳኺ፤ ጥንካረ ኢኮኖሚኣን ዓቕሚ መፍረያይነት ሕርሻ ብተግባር ዘርኣየ እዩ፡፡
ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ንኢዜኣ ከም ዝገለፅዎ፤ ሉኣላውነት ምግቢ ሃገር ብዝተማልአ መልክዑ ንምርግጋፅ ዕብየት ፍርያት መፍረያይነት መሰረታዊ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ ቅድም ኢሉ ስርናይ ካብ ወፃኢ ገዚኣ ንምእታው ተውፅኦ ዝነበረት ዝልዓለ ወፃኢ ምትራፍ ከም ዝኸኣለት እውን ሓቢሮም፡፡
መንግስቲ ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማንን ፍርያት ንምዕባይን ብዘሳለጦም ተግባራት ብዕዲጊት ካብ ደገ ዝመፅእ ዝነበረ ስርናይ ሙሉእ ንሙሉእ ብፍርያት ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ከም ዝተኽኣለ ኣገንዚቦም፡፡
እዚ ታሪኻዊ ዓወት ሸርፊ ወፃኢ እታ ሃገር ከብ ምድሓኑ ብዝሓለፈ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝትሓዘ ሃገራዊ ሽቶ ንምዕዋት ዓብዪ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም፡፡
ኢትዮጵያ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርጋፅ ብምርምር፣ ብቀረብ እታዎት ሕርሻን ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮን ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናከናወነት እያ ትርከብ ኢሎም፡፡
ብፍላይ ቀረብ ማዳበርያ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝተጀመረ ህንፀት ፋብሪካ ማዳበሪያ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ዝልዓለ ለውጢ ኢኮኖሚን መፍረያይነትን ከም ዘምፅእ ገሊፆም፡፡
መፍረያይነቶም ዝልዓለ ዝኾኑን ሕማም ዝፃወሩን ምሩፃት ዓሌት ብባዕላዊ ዓቕሚ ምርምር ምውፃእ ዘኽእል ስርዓት ምርምር ሕርሻ ተጠናኺሩ ከም ዝቐፀለ እውን ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵ ዘለዋ ዓቕምታት መሬት፣ ማይን ሓይሊ ሰብን ብምውዳድ ንዓውዲ ሕርሻ ዘድልዩ እታዎታት ሓይልን ቴክኖሎጂን ንምምላእ እትገብሮ ፃዕሪ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከም ዝርከብ ገሊፆም፡፡